top of page
ABOUT US
Eritrean Bright Future Movement (E.B.F.M) Eritrean Bright Future Movement (E.B.F.M) was established in Switzerland in 2016 by exiled Eritrean opposition youth and activists. Its core principles, beliefs and ideas are outlined in its manifesto. The manifesto elaborated how the Philosophy of Eritrean People Liberation Front ( E.P.L.F) as its core foundation, are still against the People of Eritrea. E.P.L.F's political and ideological philosophy, as proven in time, is destructive & genocidal in its nature. Eritrean Bright Future Movement through the years has demonstrated to Eritrean people, EPLF supporters and the Undecided Majority about how evil and genocidal EPLF Philosophy is. As such, it has faced numerous challenges at an organizational level as well as all the members of the movement at an individual level. It has, however, fiercely challenged and withstood all those challenges. As a result, the Movement's support and membership grew beyond its establishment in Switzerland and is now thousands fold - and exists globally in every Continent. In Eritrean Bright Future Movement, the Assembly is the highest leading body and has the highest authority . The assembly members are elected from all the branches in all the countries in the World. It has the Authority to elect the Executive, Deliberate on Rectifying the Manifesto and Form - and update - the By-Laws which members should have to adhere. The Movement continues to be steady-fast on its stand and principles, until it sees the ousting of the Regime formed by EPLF in Eritrea.
Our Future is Bright !
ብዛዕባና
ብዛዕባና ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራዉያን ኣብ 2016 ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ፡ በቶም ንስርዓት ሻዕብያ ዝቃወሙ መንእሰያትን፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን እዩ ተመስሪቱ። ካብ ዝምስረተሉ፡ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ሰነ-ሓሳብ'ውን ብመልክዕ ማኒፈስቶ፡ ኣብ 2016 ተኣውጁ ኢዩ። ቐንዲ ሕመረት እቲ ማኒፈስቶ፡ ህዝባዊ ግንባር ካብ ኣመሰራርትኡ፡ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ እዩ። ከምቲ ጊዜ'ዉን ዝመስከረልና፡ ስነ-ሓሳብ ሻዕብያ፡ ካብ ኣፈጣጥርኡ፡ ኣዕናዉን ኣጽናትን እዩ። ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ንዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ከም ዝገለጸሉ፡ "ስነ-ሓሳብ ሻዕብያ ኣዕናዉን ኣጽናትን ምዃኑ፡ ካብኡ ድማ ነብሱ ሓራ ክገብር" ክምዘለዎ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራውያን ብስርዓት ሻዕብያ ይኹን፡ በቶም ነቲ ስርዓት ገና ዘይተረድእዎ፡ ብዙሕ መጥቃዕትን ጸለመን ወሪድዎ እዩ። ይኹን ደኣ እምበር፡ ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻእን፡ መስረቲ ኣባላትን ክምህ ከይበሉ፡ ንኹሉ ማሕለኻታት መኪቶም ስዒሮሞ ኢዮም። ከም ዉጽኢቱ ድማ፡ ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ፡ ኣብቲ ዝተመስረተሉ ሃገረ ስዊዘርላንድ ከይተሓጽረ፡ ሎሚ ብኣሽሓት ኣባላት፡ ኣብ ኩሉ ክፍላተ-ሃገራት ዓለምና ዘማሙቕዎ ኣባላትን፡ ሰዓብትን፡ ደገፍትን ኣጥርዩ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ብሩህ መጻኢ እቲ ዝለዓለ ተጸዋዒ "ባይቶ ብሩህ መጻኢ" እዩ። ባይቶ ብሩህ መጻኢ፡ ብንጡፋት ኣባላት ምንቅስቓስ ዝቖመ፡ ዝላዓለ ብዓል ስልጣን እቲ ምንቅስቓስ እዩ። ባይቶ ኩሉ ሓላፍነታት ምንቕስቓስ ይዉስንን ይቆጻጸርን። ፈጻምቲ ኣካላት ካብ ባይቶ ይምረጹ፡ ባይቶ ዝወሰኖ ድማ የፈጽሙ፡ ጸብጻቦም ድማ ናብ ባይቶ የረክቡ። ባይቶ ንቕርጺ ፈጻሚት ኣካል ክቐያይሮ ስልጣን ኣለዎ፡ መራሕቲ ከውርድን ከደይብን ውን ስልጣን ኣለዎ፡ ኮምኡ'ውን፡ ኣድላይ ዝበሎ ባጀት ንኽስላዕ ክውስን ይኽእል፡ ኮታስ ካብ ጉባኤ ስልጣን ድሕሪ ምርካቡ፡ ጉባኤ ከይተጸበየ ዝመስሎ ዝውስን ስርዓተ ቅርጺ እቲ ምንቅስቓስ ኢዩ። ምንቕስቓስ ብሩህ መጻኢ፡ ክሳብ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብስርዓት ሻዕብያ ዝተመስረተ መንግስቲ ካብ ኤርትራ ዝእለ፡ ከይሰልከየ ዝሰርሕ ምንቕስቓስ እዩ።
መጻኢና ብሩህ ኢዩ !!
bottom of page