"ፖለቲካዊ ምስሉይነትን ጽልዋ መራኸቢ ብዙሃንን!"
- ሻሎም ሃብተ (Oct, 2025)
ፖለቲካዊ ምስሉይነት ክበሃል እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ንህዝቢ ዝግለጽ ሞራላዊ መትከል ፖሎቲከኛታትን፡ ኣብ ባይታ ዝረኣዩ ተግባራት ፖለቲከኛታትን ዘሎ ተጋራጫውነት ይገልጽ። ፖለቲካዊ ምስሉይነት ክጋለጽ ወይ ክፍዳሕ ዝገብር ወይ ውን ኣውራ መሳርሒ ናቱ ክኸውን ወሳኒ ረቛሒ ሚድያ እዩ።
ሚድያታት ተጋራጫውነት ብህሎን ትግባረን ፖሎቲከኛታት ንምቅላዕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከም መጋውሕትን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ድማ ከም ዘይነቐፌታዊ መጉልሒ ፖለቲካዊ ትረኻታት እውን ይኾና'የን።
ብፍላይ ምስ ህዝባዊ ስትራተጂትታት(populist strategies) ተታሓሒዙ፡ ንዲሞክራስያዊ ክብርታት ኣብ ትካላት ዘሎ እምነትን ዘዳኽም ዳይናሚክስ የላዕል።ሚድያታት ኣብ ፖለቲካዊ ምስሉይነት ድርብ ተራ ኣለወን። በቲ ሓደ ወገን ኣብ ፖለቲካ ተጋራጫውነትን ዘይምስምማዕን ዘቃልዓ ክኾና ከለዋ።

ንኣብነት ፖለቲከኛታት ንናጽነት ፍርዳዊ ኣካል ዘዳኽም ከይድታት እናደገፉ፡ ከም ኣገዳስነት ልዕልና ሕጊ ከም ዝኣምኑሉ ኮይኖም ክቕርቡ ከለዉ፡ ሚድያታት ድማ ጸብጻብ ብምቕራብ ነዚ ናብ ኣቓልቦ ህዝቢ ከብጽሖ ይጽዕራ።
ብኻልእ ወገን ድማ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዕንደራ ዝመልኦን ፈላላይ (polarize) ትሕዝቶታት ከድህቡ ይፍትኑ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ጭቡጥ ሕመረት ናይቲ ምስሉይነት - ስርዓታዊ ጥርዓናት ወይ መዋቕራዊ ጸገማት - መብዛሕትኡ ግዜ እኹል ፍታሕ ኣይረክብን፡ ኣብ ክንድኡ ግን ናብ ውልቀ ሰባት ወይ ጉዳያት ይኸውን እቲ ኣቓልቦ።
ህዝባውያን ተዋሳእቲ ነዚ ዳይናሚክ ኮነይ ኢሎም ይምዝምዝዎ። ንነብሶም ከም ቅኑዓት ወከልቲ “ሓቀኛ ህዝቢ” ጌሮም ንምቕራብ፡ ምስሉይነት ምሩጻት ፖለቲከኛታት ይኹንኑ። ከምኡ ብምግባሮም ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ተጋራጫውነት ይሓብኡ፣ ንኣብነት ንባዕሎም ከም ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ዝኣመሰሉ ዲሞክራስያዊ ክብርታት ክሰብኩን ተራባሕቲ ናቱም ክኾኑ ከለዉ፡ ነዚ መሰል ግን ንነቐፍቲ ውልቀ-ሰባት ወይ ንወከልቲ ነቐፍቲ ሚድያ ይድርትዎም። ህዝባውያን ሚድያታ ''መሰልቲ'' ከምዚ ዓይነት ክስታት፡ ሸለል ይብልኦ ወይ ውን ኣቓልቦ ህዛብዊ ምልዓላትን ንረብሓ ህብቡነተን ሰለ ዘገልግል መሊሰን ብጠቐነን ጸለመን የጋውሕኦ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ፖለቲካዊ ምስሉይነት ውልቀ-ተዋሳእቲ ክጐልሕ እንከሎ፡ እቲ መዋቕራውን ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ሳዕቤናት ግን ትዕዝብቲ ከይረኸበ ይተርፍ። እዚ ኣብ መንጎ ሚድያን ፖለቲካዊ ምስሉይነትን ዘሎ ዳይናሚክስ ኣዝዩ ሰፊሕ ሳዕቤን ኣለዎ። ቀዳማይ፡ ኣብ ፖለቲካን ባዕሎም ኣብ ሚድያን እምነት ንኽስእኑ ኣበርክቶ ይገብር።
ዜጋታት ነቲ ዝጋጮ ምስልታት ኣለልዮም፡ ፖለቲከኛታት ይኹን ተዋሳእቲ ሚድያ ብቐንዱ ንረብሓኦም ዘገልግሉ እዮም፡ ዝብል ጦብላሕታ ምስ ዝህሉ፡ ኣባጨውትን ዘይኣመንትን ይኾኑ። ካልኣይ፡ ህዝባውያን ትረኻታት (populist narrative) ንሕብረተሰብ ኣብ ደምበታት ስለዝኸፍሉ፡ ምትፍናን (polarisation) የስፋሕፍሕ። ሳልሳይ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጸብጻባትም መግለጺታትን ኣብ ዝተቓለለ (simplified) መብርህታትን ስምዒታትን ስለ ዝድረት፡ ንዝተሓላለኹ ፖለቲካዊ ጉዳያት ብደቂቕን ርቂቕን መንገዲ ናይ ምርኣይ ዓቕምታት ይድረት።
እዚ ሓድሕዳዊ ስጉምታዊ ግርጭት ዘስዕቦ ኣሉታዊ ሳዕቤን ንምንካይ፡ መራኸቢ ብዙሃን ምስ ፖለቲካውያን ተዋሳእቲ ብዝያዳ ብሓላፍነት ክገጥማ ኣለወን። ፖሎቲካዊ ምስሉይነት ምቅላዕ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ሰፊሕ ዓውደ-ኩነት ዝተቐመጠ ነቐፌታውን ኣብ ሓቂ ዝተመርኮሰን ጸብጻብ ክኸውን ወሳኒ እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ዜጋታት ናይ ምትላል ሜላታትን ፖለቲካዊ ምስሉይነትን ምእንቲ ከለልዩ ኣብ ህዝቢ ፖለቲካዊ ትምህርትን ናይ ሚድያ ትምህርቲን ምድንፋዕ የድሊ። ፖለቲከኛታት ባዕሎም እውን ንተሓትነት ክግደዱ ኣለዎም፡ ተግባራቶምን መደርኦምን ክዋሃህድዎን ምስ ህዝቢ ግልጹነትን ተሓታትነትን ክህልዎም።
ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ምስሉይነትን ሚድያን ዘሎ ምትእስሳር ንዲሞክራስያውያን ሕብረተሰባት ቁልፊ ብድሆ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ንነቐፌታዊ ጸብጻብን፡ ንፖለቲካዊ ትምህርትን ዝተዋፈረ ህዝቢ ጥራይ እዩ ኣብ ፖለቲካን ሚድያን እምነት ክድልድልን ደሞክራስያዊ ባህሊ ክሕሎን ዝከኣል ።
ሻሎም ሃብተ
Nov, 2024










